Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
ትግራይ ዓደይ እንኳዕ ንመበል 49 ዓመት ፅምብል 11 ለካቲት ኣብፅሐና!
"ክብርን ሞገስን ንስውኣት! ስውኣት ቃልኩም ኣይነዕብርን!" ንዝብላ ቃልኪዳናዊ ቃላት ምጭራሕ ክኸውን ዘለዎ ትርጉሙ፤ ንቃል ስውኣት ኣብ ባይታ ክትግበር ምግባር እዩ ኢለ ይኣምን! ንዘበናት ህዝቢ ትግራይ ዝተሰውአን ዝተጨፍጨፈን፤ ሎሚ እውን ጃምላዊ ፅንተት ጀኖሳይድ ዝወርዶ ዘሎን ብሚልየን ዝቑፀር ህዝብን ተጋዳላይን ትግራይ ከምቆፅሊ ዝረገፈን፤ ምእንተ ከም ህዝቢ ሃለዋቱን ደሕንነቱን ክረጋገፅ፣ ቅሳነትን ራህዋን ክረክብ፣ ኢሉ እውን ሙሉእ ሓርነቱ ክዓትርን መንገዲ ልምዓትን ዕብየትን ክጅምርን እዩ:: ቃል ስውኣትን እቱ ዝፀነተን ዝፀንት ዘሎን ህዝቢ ትግራይ እዙይን እዙይን እዩ::
ኣብ ናይ ሎሚ ትግራይ ኩሉ በደልን መከራን፣ ሕማምን ሞትን፣ ብርሰትን ስደትን ነጊሱ ኣሎ! ገፊሕ መሬት ወለድና ብፀላእቲ ተወሪሩ፣ ብሚልየናት ህዝብና መረበቱ ወረርቲ እናዓንደሩሉ ፎቆድኡ ተመዛቢሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንጥምየት፣ ሕማም፣ ሞትን ከርተተትን ተሳጢሑ! ኣሽሓት ተጋሩ በመንነቶም ኣብ ቤት ማእሰርትታት ፀላኢ እናማሰኑ እናሞቱ፤ ስድርኦም ተበቲኖም! ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተጋሩ ኣባላት ነበር ምክልኻል ሃገር ዓቀብቲ ሰላም፤ ኣብ ሱዳንን ጎራብቲ ሃገራትን እናተንከራተቱ፤ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ዝኸፈሎም ገንዘብ ኣገልግሎቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተመንዚዖም፤ ሓታቲ መንግስቲ ስለዘይብሎም ስድርኦም ተበቲኖም! ኣሽሓት ኣብ መኸተ ጀኖሳይድ ዝተወግኡ ጉዱኣት ኣካል ተጋደልቲ ትግራይ፤ ኣያ ስኢኖም ብጥምየትን ሰኣን እኹል ሕክምናን እናተሳቐዩ እናተሰውኡ! መንእሰይ ትግራይ ዓዱ ተስፋ ስኢኑላ፤ ብዝረኸቦ ኣንፈት ኩሉ ናብ ስደት እናውሓዘ፣ ኣደዳ ማእሰርቲ ከተርትን ሞትን ኮይኑ! ሓያላን መንግስትታትን ዓለምለኸ ትካላትን ሚዲያታትን ዘረጋገፁዎ ዘርኣዊ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ፤ ተሓታትነትን ፍትሕን ከይረክብ ተገይሩ! ኣብ ልዕሊ እዙ ኹሉ እዩ እምበኣር፤ ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ድርቂ ብዘስዐቦ ጥምየት(Famine) ብዘይሓገዝ ዝፀንት ዘሎ! ምእንታን ኣብይ ኣሕመድ ከይኹሪ ተባሂሉ፤ ንኣዋርሕ ኣሽሓት ሰብን እንሰሳትን ክሳብ ዝሞቱ፤ ብስሙ Famine ኢልካ ንምእዋጅ ስኽፍታ ተራእዩ! እምበኣር እዙይ እዩ ኣጥሪናዮ ዘለና ሃለዋትን ደሕንነትን፣ ቅሳነትን ራህዋን፣ ሓርነትን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ!
ይቕፅል ኣብfacebook.com/share/p/k81QJgy…
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
It was good to meet & have discussions with @AsstSecStateAF Molly Phee, @MikeHammerUSA & Ambassador Masinga of @USEmbassyAddis today in Addis Ababa. That we have to expedite the fullest possible implementation of the Pretoria Agreement as part of our efforts to ensure sustainable
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
My 4 prayers for Africa for 2024: a cease fire in Sudan; formal recognition for Somaliland; genuine national reconciliation process in Ethiopia to point to peace & prosperous future; and the start of a process to allow Southern Cameroonians (Ambazonians) to decide their future.
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
እት ጽንተት ታይ ገዲፉልና፤ ቃላት የብሉን::
ፅንዓት ይሃብኪ ትግራይ ዓደይ::
ፅንዓት ንስድራ ሰውአት::
ፅንዓት ነቲ ሓላል ለባም ጀግና ህዝቢ ትግራይ።
ንፅናዕ:: ኣጀኹም፣ ኣጆና::
ሰማእታትና ዝተሰውኡሉ ዕላማ መሊኡ ንኽዕወት ቃልስና ነሕይል::
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ! ፅንዓት ንህዝቢ ትግራይ! ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ፤ ኣንፃር ወረርቲ ምፅናት ዘርኢ ብሳላ ዝተኸፈለ ክቡር ዋጋ ህይወትን ኣካልን ሰራዊትን ህዝብን ትግራይ፤ ከም ህዝቢ ክንነብር በቒዕና!
ብሳላ መስዋእትኹምን ዝኸፈልኩምዎ ኣካልን፤ ርእስና ኣቕኒዕና ንሕና ተጋሩ ኢና ንብል ኣለና! ብሳላኹም እወ መሊእና ኣይጠፋእናን ኣይደነንናን! ብሰንኪ ስእነት ኣመራርሓ ከይንደንን ዝኸፈልኩምዎ ዋጋ ብዘይደበስ ከይተርፍን ግና ክንሰግእ እንተጀመርና እኳ፤ መሊስና ንሕና መን ዲና ኢልና ንባራበር ንስጉም ኣለና! ህዝቢ ትግራይ ብውሽጢ ሕመቕ ኮነ ብናይ ደገ ፀላእቱ ክደንን ክንብርከኽን ስለዝይኽእል ኣጆኹም ንፅናዕ ንሰድር!
ሉኣላዊ መሬትና ተጎቢጡ፣ ተጋሩ ሐዚ እውን ተመዛቢሎምን ተሰዲዶምን፣ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ተዳጉኖምን፣ ፅንተት ህዝቢ ትግራይ ንፃት እውን ኣየብደየን፣ ተሓታትነትን ፍትሕን ኣይተረጋገፀን! ስለዙይ ካብ ውሽጣዊ ሕኹትኩት ተናጊፍና፣ ሽኻልናን ኣጀንዳናን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ገይርና፣ ሸርሒ ዙሪያ ምላሽ ፀላእትና ክንብድህ፣ ንመፃኢት ትግራይ ንቕድሚት ኣርሒቕና ንኣምት! ደበስ ስውኣትና ንሱ ስለዝኾነ!
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
So much about Ichree! So much about humnaity. This world is a joke! Tigrayan victims' file is handed over to their cold blooded murderers for justice. Well, Tigrayans must find a way to retake matters into their own hands. Try again, fail again, fail better!
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
They kill, torture, and run after us for decades. We suffer in camps, Sahara and Mediterranean Sea. We lost thousands and hundreds in hours. We fight back & won in Europe and America. We change public opinion and international community to understand our struggle. Regime change!!
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
A woman being pulled of a residential area in Adi Daero town, #Tigray, Ethiopia, bombed by Eritrean forces.
Civilians are #NotATarget and must be protected.
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
As my foot is still recovering from my recent injury, I needed help to keep up the ‘Walk the Talk’ pace. Heartfelt thanks to my friend, @Olympics President, Thomas Bach for giving me some support and a good laugh! #HealthForAll #UNGA
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
የመና ሓዚነ ጉህየ!
2 ጳጉሜን እንትንዝክር ምኽባር መሰልን ፍትሓውነትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኢና ክንዝክር ዝግብአና፤ ንመፃኢ ወለዶን ትግራይን ኢና ኣርሒቕና ክንእምት ነይሩና!
ቅድሚ 80 ዓመታት 2 ጳጉሜን 1935 ወለድና ኣብ ዋዕላ ማይደርሁ ተኣኪቦም፤ ኣብ ሰውሒ ኮፍ ኢሎም ቃለመሓላ ገረብ ዓረና ወያነ ትግራይ ውዕል ኣሲሮም ምስ ወፈሩ፤ ኣብ ተኸታታሊ ውግእ ኵሓ፣ እንዳየሱስ መቐለ፣ ዕዳጋሓሙስ፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣላጀ፣ ማይቀያሕን ዕዳጋ ሶኒ መቐለን ኣሽሓት እዮም ክቡር መስዋእቲ ከፊሎም! ምእንተ ሃለዋትን ፍትሕን!
ኣብ'ዙ ፎቶ ከምዝርአ ዘሎ፤ ድሕሪ 77 ዓመታት ከምዚኣ 2 ጳጉሜን 2012ን ድማ፤ ደቂደቆም ኣቦመንበራት ሓሙሽተ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፤ ህወሓት፣ ሳወት፣ ባይቶና፣ ውናትን ዓሲምባን ኣብ ዘበናዊ ሆቴል መቐለ ብሓባር ተራኺቦም፤ ምእንተ ስልጡን ፖለቲካ ትግራይ ሓቢሮም ንኽሰርሑ መኸምበቲ ቃሎም ኣስሚዖምና ተስፋ ኣስኒቖምና ነይሮም!
ኣብ ካልኣይ ወርሑ እዙ ስምምዕ ብእውጅ ዝተኻየደን ይካየድ ዘሎን ጀኖሳይዳዊ ኵናት ንኽምክቱ ምስ ህዝቦም ሓቢሮም ተሰሊፎም ሓቢሮም ድማ ተሰዊኦም:: ኣብ ታሪኽ ትግራይ ኮነ ኣብ ካልእ ተራእዩ ዘይፈልጥ ፅንተት ተፈፂሙ ይፍፀም ኣሎ:: ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ መሪርን ከቢድን መስዋእትን መጉዳእቲ ኣካልን ተኸፊሉ! ሎሚ እውን ህዝብና ኣብ ቐፃልን ሰላሕታውን ፅንተት እዩ ዘሎ! ፖለቲከኛታት ትግራይኸ ኣበይ ኣለዉ?
ኣብ ጉዳይ እዛ ሓንቲ ክብርትን ንእድትን ትግራይን ህዝባን፤ ብሓባር ኮፍ ኢሎም ንህዝቢ ትግራይ ማእኸል ሽኻሎም ገይሮም ተኸኣኢሎም ክዝትዩን እሂን ምሂን ክብሃሃሉን፤ ህልዉ ኩነታት መርሚሮም መፃኢ ክእምቱን፣ ስልታውን ስትራተጂካውን ትልሚ ሓንፂፆም ንቕድሚት ክተዓፃፀፉን ኣይርኣዩን ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ናብ'ዙ ሐዚ እንዕዘቦ ዘለና ብርኪ ፀዲፎም ኣለዉ!
እሞ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሐዚ እውን ይፅንት ኣሎ፤ ከምህዝቢ ፅንተትና ንኸሳልጡ ዙሪያ ምላሽ ፀላእቲ ይተዓፃፀፉ ኣለዉ!
ፖለቲካዊ መሪሕነት ዘይተዓደለት ትግራይ ግና፤ ኣብ ህወሓት ዘለዉ ኮነ ኣብ ካልኦት ውድባት ዘለዉ ፖለቲከኛታት ደቃ ክደማመፁ ተሳኢኑዎም፤ ኣብ ኣነነትን ናይ ምጥፍፋእን ድሑር ፖለቲካ ስድሳታት ተሸኺሎም፤ ነንሕድሕዶም ይናቖሩ ንርኢ ኣለና! ድሕሪ እዙ ኹሉ ኹነታት ፖለቲካ ትግራይ ክስልጥን ክተዓፃፀፍ እዩ እንተበልና፤ ተስፋና ተሓንሺሹ ከም ሽንቲ ግመል ንድሕሪት ይፀድፍ ኣሎ፤ የመና የሕዝን የጉህይ!
ዝተሓላለኸን ዝተለቋቖመን ጉዳይ ትግራይ ደቃ ብሓባር ኮፍ ኢሎም ኣብ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ሸኺሎም ብዘካይዱዎ ዘተን ምድምማፅን እምበር፤ ብበትሪ ብማእሰርቲ ብምጥፍፋእ ኣይፍታሕን!
Telegram: t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
Dear @DrTedros
I am relieved that you are doing OK. I hope you're taking some additional personal time to fully recover and back at it with renewed energy.
God speed...
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
Political pragmatism, stripped of its moral compass, becomes nothing but unchecked opportunism.
By casting our core principles aside, we turn a blind eye to millions of victims crying out for justice.
And all this to give a free pass to those accused of most heinous atrocities.
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
ላዕለዋይ ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ዘካየዶ መረፃ ኤጲስ ቆጶሳት፤ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ወፃኢ ሃገራትን ተመዲቦም ዘገለግሉ ብሓፈሻ ዓሰርተ ኤጲስ ቆጶሳት ዕላዊ ገይሩ ኣሎ። በዚ መሰረት ድማ፤
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘገልግሉ፤
፩. መጋቤ ሃዲስ ቆሞስ ኣባ ዘስላሰ ማርቆስ
፪. መልኣከ ገነት ቆሞስ ኣባ ሃይለሚካኤል ኣረጋይ
፫. ሊቀ አእላፍ ቆሞስ አባ እስጢፋኖስ
፬. ንቡረ እድ ቆሞስ ኣባ መሓሪ ሃብተ
፭. ቆሞስ ኣባ ኤልያስ ታደሰ ገብረኪዳን
ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዘገልግሉ፤
፩. ቆሞስ ኣባ ሰረቀ ብርሃን ወልደሳሙኤል
፪. መልኣከ ገነት ኣባ ፅጌገነት ኪዳነ ወልድ
፫. ኣባ ዘርኣዳዊት ብርሃነ
፬. መልኣከ ፀሃይ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ
፭. መልኣከ ፀሃይ ኣባ የማነ ብርሃን ወልደሳሙኤል
Telegram: t.me/+HdnQzJcDXXJlMzBh
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
Dear Tibor ናዚው,
Do you still hold this assumption/opinion…..?
Your tweet….👇🏿👇🏿
USG statement on Sec Blinken's mtg with Ethio Deputy PM Demeke shows much improved bilateral relations. But some will object to USG name of disputed region - given sensitivities, if a name is used better to use Western Tigray/Welkait pending final status.
state.gov/secretary-blinkens…
Prof. Kinfe Abraha Gebre-Egziabher retweeted
Good to see Hemedti's gold smuggling company Al Junaid on the list of firms sanctioned by the US over the Sudan conflict. How about sanctioning the UAE companies that buy Sudan's gold? home.treasury.gov/news/press…






































