ወተሃደራውን ጸጥታውን ዕማማቱ ብትግሃትን ልዑል ሞያዊ ብቕዓትን ዘሰላስል፡ ብዛዕባ ዝዓጥቆ ዘመናዊ ኣጽዋር ንጃህራ ኢሉ ሚስጢራውነቱ ዘይዞሩን ክሊ ባሕሩ ጸጥታኡ ኣውሒሱ ጸጥታ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምርግጋጽ ዝተሓጋገዝን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ!
"ንሃገርካ ክትፈትዋ ካብ ዘይከኣልካ ኣይትጽልኣያ። ክተኽብራ ካብ ዘይከኣልካ ኣይተዋርዳ። ክትሕልዋ ካብ ዘይከኣልካ'ውን ኣይትበታትና። እዚ ብምግባርካ ታሪኽ'ኳ እንተዘይሰራሕካ ታሪኽ ግና ኣይተበላሹን።"
ምኽሪ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም
ኤርትራ ኣህጉራዊ ሕጊ ንዝህባ ናይ ርእሰ-ምክልኻል መሰል ተጠቒማ ልዑል ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎ ውፉይን ዘመናውን ናይ ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን ሰራዊት ክትሃንጽ ዝበቕዐት፡ ወራር ናይ ምምካትን ዓጸፌታኡ ምምላስን ዓቕሚ ዘማዕበለት ተፈራሒት ሃገር'ያ።
ኣሰልጣኒ ኬንያ በኒ ማካርቲ ብዛዕባ ብቕዓት ሬድሲ ካመልስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኤርትራ ኣንጻርና ብዘንጸባረቐቶ press ናይ ምግባር ብቕዓት፡ ጽንዓትን ፕሮፌሽናላዊ ድስፕሊንን ን/ኣፍሪቃን ጊኒን ኣደንዛዚ ስዕረት ክተቕምሰን ምሉእ ብቕዓት ኣለዋ" ኢሉ።
ሻምፕዮን ዓለም 2026 - እቲ ቀንዲ ዝድለ ሃገር ምጽዋዕ እዩ!
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብሉጽ ጸወታ ኣርእያ ክትነኣድ ውዒላ።
ንህዝቢ ኤርትራ ኣሐቢንኩምዎ፥ ሃገር ኣብ ዓለማዊ ውድድር ኣጸዊዕኩም። እቲ ቀንዲ ዝድለ ከኣ ንሱ እዩ።
ሲቺልያ - ዳዊት ሰዓረ ኣብ 10 ኪ.ሜ ቀዳማይ ኣትዩ
ተዓዋቲ ሻምፕዮን ዓለም ጽርግያ ውድድር 5ሽሕ ሜትሮ ኤርትራዊ ኣትሌት Dawit Seare ትማሊ ንዝኽሪ ፔፐ ግሬኮ ኣብ ሲቺልይስ - ጥልያን ዝተኻየደ ናይ 10 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ጉያ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።
ዓሊ ሱሌማን ረቡዕ ኣብ ዓዱ!
ኣብታ ፕሮፌሽናል ኮይኑ ዝጻወተላ ግብጺ ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ዘካዪዶ ጸወታ ክኸስበሉ፡ ሸቶ ከመዝግብ ልዑል ዕድል ኣሎዎ።
- ዓሊ ሸቶ ወይ ቀረብ ሸቶ - ኣብ ሓዲኡ ኣሎ። ትማሊ ንናሆም ነታባይ ኩዕሶ ዘቐበሎ ባዕሉ እዩ።
ሬድሲ ካመልስ ሎሚ ምሸት ንግብጺ ነቒላ!
ትጉዕዝ ሓዲራ ጽባሕ ኣዕሪፋ ኣርፊዳ ድሕሪ ፋዱስ፡ናይ ምውህሃድ ልምምድ ክተካዪድ ምእንቲ።
ዕለት 30 መስከረም ኣብ ካይሮ ጸወታ ኣሎዋ።
ክልተ ዓበይቲ ፍጻመታት ብሓንቲ ቅላዕ!
ነቲ ናይ 5 ኪ.ሜ. ዓለማዊ ውድድር ክዕወተሉ ልዑል ግምት ተዋሂቡዎ ዝነበረን 2 ግዜ ዕዉት ኦሊምፒክስን ኖርዌጅያዊ ኣትለት ብድኻም፡ ዳዊት ሰዓረን ሳይመን ኣማኑኤልን ድማ ብሓጎስ ኣብ ባይታ ተሰጢሖም ይረኣዩ።
ሻምፕዮን ኣትለቲክስ - ኤርትራ 1ይትን 3ይትን ብምውጻእ ወርቂን ነሓስን መዳልያታት ሓፊሳ!
ዳዊት ሰዓረ ኣብ ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ 5000 ሜ. ወርቂ መዳልያ ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሑ። ወዲ ሃገሩ ኣማኑኤል ስዩም ከኣ 3ይ ብምእታው ነሓስ ተዓዊቱ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣጽኒዓቶ ዝጸንሐት እገዳ ከምዘልዓለቶ ንክፍሊ ትረጀሪ ኣመሪካ ብምጥቃስ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።
እታ ሃገር ነቲ እገዳ ተልዕሎ ዘላ ንጂኦ-ፖሊቲካዊ ስትራተጂ ኤርትራ ኣብ ግምት ብምእታው ምዃና ሮይተርስ ብተወሳኺ ተንቲኑ።
ዋና ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ምብራቕ ትግራይ ኣቶ ፍስሃ ሃይላይ ዝርከቦም ልዕሊ 400 ልኡኻን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዑደት ከምዘካየዱን ህዝብን ምምሕዳርን ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎምን ተለቪዥን ድምጺ ወያነ ሓቢራ።
ነዛ ሰንደቕ ዘፍቅር ሰብ እቲ ነብሱ ዘፍቅር'ዩ! ምኽንያቱ፥
1. ርእሰ-ተኣማንነቱ ይብርኽ
2. ግዳይ ቅልውላው መንነት ካብ ምዃን ይድሕን
3. ዲያስፖራ እንተኾይኑ ምስ ሃገሩን ህዝቡን ዘሎዎ ርክብ ይሰጥም።
4.ህጻናት ብሃገራዊ ኽብርታት ክኹስኮሱ ይሕግዝ።


























