መግለጺ ኽብርን ልኡላውነትን ህዝቢ #ኤርትራ ዝኾና ባንዴራታት፡ ቅኑዕ ትርጉምን መግለጽን ንሃበለን! ንኣብነት፡ ኣብ ማእከል ኣኽሊል ዘሎ 6 ኣቚጽልቲ፡ 3 ብየማን 3 ብጸጋም፡ ንብዝሒ ዞባታት ኤርትራ ኣይውክልን!! #EritreaPrevails
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
#Eritrea ብኣቶ ዓንደሚካኤል ሰለሞንን ዶክተር ሰናይ ወልደኣብን ዝተሰናድአት መጽሓፍ ድብቱራት ሕግታት እንዳ'ባ ኤርትራ" 11 ታሕሳስ 2026 ኣብ ሲነማ ሮማ ክትምረቕ እያ።
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
ሃናጺ ተራ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ
ብኣዱሊስ ተኽለ
ትርጉም፡- ታደሰ ተኽለ
Redseabeacon.com
10 ሕዳር 2026
ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ዲፕሎማስያዊ ጐስጓሳትን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዘመተ፡ “ኢትዮጵያ ዝተበታተነት ክትከውንን ብቀጻሊ ኣብ ውሽጣዊ ግጭታት ተሓላሊኻ ክትነብርን” ፖሊሲ ኤርትራ ከም ዝኾነ ክገልጽ ይስማዕ እዩ። በዚ ብመሰረቱ ሓሶት ዝኾነ ግምት ቀጺሉ ድማ “እዚ ኣዕናዊ ዕላማ እዚ ነቲ ሳላ ስፍሓታን ብዝሒ ህዝባን ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓብላልነት ንምድኻም ዝቐንዐ” ከም ዝኾነ የረድእ።
ኣብ ሓያሎ ዓመታት ቅድሚን ድሕሪ ናጽነትን ብተግባር ዝተራእየ ዞባዊ ፖሊሲታት ክምርመር ከሎ ዘርእዮ ምስክርነት ግና ካልእ ዝተፈልየ ታሪኽ እዩ ዝሕብር። እቲ ሓቂ ኤርትራ ምእንቲ ሓድነትን ሓያልነትን ጎረባብታ ብቐጻሊ ትጽዕር ሃገር ምዃና እዩ ዝምስክር።
ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ሓድሕዳዊ ተጻብኦታት ብሄራት ዝፈጠሮ ውሽጣዊ ምብትታን፡ ሓደጋ ምፍንጫል ከጋጥማ ዘሎ ተኽእሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤርትራ ብቐጻሊ እዚ ሓደጋ እዚ ከይፍጠር ከተርእዮ ዝጸንሐት ዘይሕለል ተገዳስነትን ሓልዮትን ካብቲ መርኣያ ፖለቲካዊ መርገጺታታ ከም ዝኾነ ክረአ ጸኒሑ እዩ። ብርግጽ እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይታ ሃገርን መንግስቲ ኢትዮጵያን እዩ። ተገዳስነት ኤርትራ ግና፡ ምስ ጎረባብታ ብነባሪ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ክትቅጽል ካብ ዘለዋ ቅኑዕ ድልየት ዝተበገሰ እዩ።
ብመንጽር እዚ፡ ካብ ዘበን ሓርነታዊ ገድሊ ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ ናይ መሰጋገሪ ግዜ፡ ካብ 1998 -2000 ዝነበረ ውግእ ምስ ሃድአ ዝነበረ እዋናት፡ ኣብ 2018 ዝነበረ ናይ ምቅርራብ ሃዋህውን፡ ኣብ 2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግጭት ምስ ተወለዐ ዝተጋህዱ ታሪኻዊ ምዕባለታትን ከም ኣብነት ክውሰዱ ይኽእሉ።
1. ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝነበሩ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ዝነበሮ ርክባት
ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣንጻር ተኸታታሊ ስርዓታት ምስ ዝቃለሱ ሓይልታት ኢትዮጵያ ርክባት ከም ዝነበሮ ይፍለጥ። እዚ ርክባት እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ወጻዕቲ ስርዓተ መንግስታት ብወተሃደራዊ ዓወት ጥራይ ክድምሰሱ ከም ዘይክእሉን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ በበይኖም ማሕበረሰባት ክጥርንፍ ዝኽእል ፖለቲካዊ ስርዓት ስለ ዘድሊን ካብ ምእማን ዝተበገሰ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ገለ ተቓለስቲ ውድባት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ንዝነበሩ ምፍንጫልን ምብትታን ብሄራትን ዘተባብዕ ፖለቲካዊ መትከል፡ ህዝባዊ ግንባር ይቃወሞ ነይሩ። ብኣንጻሩ ከም መሻርኽቲ ናይ ሓባር ቃልሲ፡ ህዝባዊ ግንባር ወጻዒ ስርዓት ተደምሲሱ፡ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘርብሕ ስርዓት ክትከል የተባብዕ ነይሩ። ኣብ ጥሪ 1985 ከኣ ህዝባዊ ግንባር ንተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን ንዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብን መርገጺኡ ብንጹር ዘርጊሑ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናጽነት ዘካይዶ ቃልሲ ንዕቑዳት ሒዝዎ ኣብ ዝተጓዕዘሉ ሸቶ ጸረ ባዕድነት ኣብ መዓልቦ ከምዘብጽሕ ጽኑዕ መትከላት ህዝባዊ ግንባር ከም ምንባሩ፡ ንምብትታን ኢትዮጵያ ወይ ብሄራት ብከባብያዊ ግዝኣታት ክፈናጨላ ረብሓ ኣይነበሮን። ብዝኾነ መልክዕ ከኣ ፖለቲካዊ ደገፍ ሂቡ እውን ኣይፈልጥን።
ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር፡ ክንየው ናጽነት ኤርትራ ዝጠመተ ዞባዊ ኣረኣእያ ዝነበሮ ክንብል ከለና ስራተጂያዊ ዕላምኡ ንጹር እዩ። ኣብ ክንዲ ብውሽጣዊ ኣፈላላይ እትሕመስ ኢትዮጵያ ሰላማዊትን ስምርትን ጎረቤት ክትህልዋ ኤርትራ ትመርጽ።
2. ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ 1991
ፖለቲካዊ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምፍራስ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ሃገር ትምረሓሉ ናይ መሰጋገሪ መቓን ንምሕንጻጽ ኣብ ሓምለ 1991 ዋዕላ ሰላምን ዲሞክራስን ዝተሰምየ ጉባኤ ኣካይዶም ነይሮም። ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ከም ተዓዛባይ ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፉ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስቶም ሓደስቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ይላዘብ ነይሩ።
ኣብዚ መድረኽ እምበኣር ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብትካላዊ ደረጃ እናተሰረተ ዝህነጽ ንዝነበረ ዓሌታዊ ምክፍፋል ብኣረኣእያ ኤርትራ ኣሰካፊ ከም ዝኾነ ብጋህዲ ብምግላጽ፡ ንሃገራዊ ሓድነት ቀዳምነት ዝህብን ሃገር ዝሃንጽን መሰጋጋሪ ክፍጠር ይጽውዕ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ጥሪ 2022 ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ብታህዋኽ ዓሌታዊ ሰረት ናብ ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት እትኣቱ፡ ድልዱል ሓድነት ዝፈጥር ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝወስድ ናይ መሰጋገሪ ድልድል ተመራጺ ክኸውን ይኽእል ከም ዝነበረ ዘኪሩ ነይሩ።
3. ኤርትራ ንዓንቀጽ 39 ትቃወም
ድሕሪ ምፍራስ ደርግ ኣብ 1991 መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዓሌት ዝተመስረተ ስርዓት ፈደራል ብምቛም፡ ነታ ሃገር ብሕጊ መንግስቲ ኣፍልጦ ናብ ዝረኸባ ርእሰ መሰል ዘለወን ክሳብ ካብ ሃገር ናይ ምንጻል ዕድል ዝተዋህበን ግዝኣታት ብሄራትን፡ ብሄረሰባትን መቓቒልዋ። ደገፍቲ ናይዚ ኣገባብ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ብሄራት ኣብ ታሪኽ ንዝተፈጸመ በደል ከይድገም ዝከላኸል ፍወሳ ገይሮም ኣብ ልዕሊ ምቝጻሮም፡ ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ ኣቃውማ ብዙሕነት እውን ዝሳነ ከም ዝኾነ ይገልጹ። ምምቕቓል ብሄራት ከም ፖለቲካዊ ውዳበ ተቘጺሩስ ብትካላዊ ኣገባብ ክህነጽ እንከሎን ኣብ ንድፊ ቅዋም ክሳብ ምግንጻል መሰል ዝህብ ዓንቀጽ ብምእታዉ ከስዕቦ ዝኽእል መዘዝ ኣብ ግምት ዘእተወ መሪሕነት ኤርትራ ብርቱዕ ዕቃበታት የንጸባርቕ ነይሩ።
ዓሌታዊ መሰረት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ከም መለለዪ ጸቢብ መንነትን ጉጅለን መበገሲ ባእሲ ናይ ግዝኣት ዶባት ብምዃን ንመሰረታት ናይ ሓባር መንግስቲ ከድክም ስለ ዝኽእል ብወገን ኤርትራ ስክፍታታት ይስማዕ ነይሩ። ኣብቶም ዝቕጽሉ ዕቑዳት (ዓሰርተታት ዓመታት) ዝተጋህደ ፖለቲካዊ ኣተና ናይታ ሃገር ከኣ እዚ ስክፍታታት ኣረጋጊጹ።
4. ድሕሪ 1998-2000፡ ኤርትራ ዞባዊ ምርግጋእ እናተባበዐት፡ ምብትታን ኢትዮጵያ ትቃወም
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወለዐን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝጸንሐን ውግእ ንርክባት ክልቲአን ሃገራት ካብ ሱሩ ከምዝቕየር ገይሩዎ እዩ። ስምምዕ ኣልጀርስ ነቲ ቀንዲ ተጻብኦታት ኣብ መዕለቢ ኣብጺሕዎ። ብዛዕባ ዶብ ዝተዋህበ ወሳንን ቀያድን ውሳነ ኣብ ተግባር ከይውዕል፡ ተኸታተልቲ መንግስታት ኢትዮጵያ ንዓመታት ብምዕንቃጾም ድማ ነቲ ቅርሕንቲ ኣናዊሕዎ።
ክንየው እቲ ናይ ጽልኢ ሃዋህው፡ ኣርሒቑ ዝጠመተ ኣመለኻኽታ ኤርትራ: ኣብ መንጎ እቶም ስርዓተ መንግስታትን ኢትዮጵያ ከም ሃገርን ዘሎ ፍልልያት ዘነጽርን ብሓደ ሚዛን ዘይረአን ምዃኑ ዝፈልጥ እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ምስ ኤርትራ ጽምዶ ገይሮም ዝነበሩ መራሕቲ ተቓወምቲ ምንቅስቓሳት ብሄራት፡ ኤርትራ፡ ዓሌት መሰረት ገዝበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ናይ ምፍንጫል ዕላማታትን ብምቅዋም ጽኑዕ መርገጽ ከምዘለዋ የረድኡ ነይሮም።
5. ፖለቲካዊ ለውጥታት 2018፡ ደገፍ ንህዝባዊ ጻውዒት ለውጢ
ኣብ 2018 ፖለቲካዊ ምቅይያራት ከይተጋህደ በቲ ዝነበረ ስርዓተ መንግስቲ ዘይዓገበን ዓሌት ዘማእከለ ስርዓተ ምሕደራ ዝቃወምን ህዝቢ፡ ፖለቲካዊ ተሃድሶ ክግበር ብሰፊሕ ይጽውዕ ነይሩ። ስዒቡ ኣብ መሪሕነት ኢትዮጵያ ዝተራእየ ምቅይያር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድናታት ክመዓራረ ዘኽእል ታሪኻዊ ኣፍደገ ከፊቱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንወሳንን ቀያድን ውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ ኩነት ኢትዮጵያ ከም እትቕበሎ ምስ ኣፍለጠ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምቅይያራት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝነበረ ናይ ተጻብኦ ሃዋህው ከህድእ ይኽእል ይኸውን ብዝብል ትጽቢት ብእወታ ተቐቢላቶ። ኣብ ነሓሰ 2018 ኣብ ኣስመራ ብሓባር ዝተፈረመ መግለጺ ሰላምን ምሕዝነትን ስዒቡ ዳግማይ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ብምምስራቱ ንዕቑዳት ዝጸንሐ ምቅሕሓር ብምትሕግጋዝ ክትካእ ዘኽእል ተስፋታት ተፈጢሩ ነይሩ።
ኣብ ሓምለ 2018 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀሊል ዘይኮነ መስዋእትነት ከፊሉ ለውጢ ከምጽእ ብምኽኣሉ ዝተሰምዖ ሓጎስን ደገፍን ገሊጹ። ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ፡ ሰላምን፡ ልምዓትን ምርግጋእን ክደፍእ ከኣ ተስፋኡ ገሊጹ ነይሩ።
6. ግጭት 2020-2022፡ ደገፍ ንሓድነት ኢትዮጵያ
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ውግእ ንፖለቲካዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ምግምማዕ ከእቱ ዝኽእል ነጥቢ መቐይሮ እዩ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ወግዓዊ ናይ ሓገዝ ሕቶን ሕጋዊ መሰል ርእሰ ምክልኻል ብምጥቃም፡ ኤርትራ፡ ስለ ሓድነትን ልኡላዊነትን ኢትዮጵያ ንፈደራል መንግስቲ ከም ዝሓገዘት ይፍለጥ። ኢትዮጵያ እውን በቲ ኤርትራ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ምስጋና ኣቕሪባ ነይራ።
ብሓጺሩ፡ ኤርትራ ካብ ናይ ሓርነት ቃልሲ ኣትሒዛ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበራ ርክብን ክሳብ እቲ ብ1991 ዝነበረ ናይ መሰጋገሪ ወቕቲን፡ ኣብ ሓድሕዳ ዝሰመረት ኢትዮጵያ ክትቅጽል ዞባዊ ኣገዳስነት ከም ዝህልዎ ትኣምን ነይራ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ዳሕራይ መንግስቲ ኤርትራ) ኣፈላላይ ብሄራት ኢትዮጵያ ከስዕቦ ንዝኽእል መዘዛት ‘ባዕሉ ይፍለጥ’ ኢሉ ስቕ ከይበለ ስክፍታቱ ይገልጽ ነይሩ። ንኤርትራን ንቀርኒ ኣፍሪቃን ከኣ ብሓፈሻ ሰላማዊትን ጽንዕትን ስምርቲ ኢትዮጵያ ክትህሉ ስትራተጂያዊ መኽሰብ እዩ።
ሃገር ዘዳኽምን ዝበታትንን ቀንዲ ተሓታቲ
ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገር ናይ ምጕባጥ ዕላማኡ ንምሕያል ጭብጥን መርትዖን ዘይብሉ ብቐጻሊ ታሪኽን ሓቅነትን ከዛብዕ ይርአ። ሰልፊ ብልጽግና፡ ንሓጻር ህሞት እውን እንተዀነ ሓቂ ክፍትሽ እንተዝፍትን ብዘየማትእ ጎረቤት ንምድኻምን ንምብትታንን ዝዓዪ መን ከም ዝኾነ ምተረድአ።
• 1949 ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ኣብ ክልተ ተመቒላ ሓደ ክፋል ናብ ሱዳን እቲ ካልኣይ ክፋል ናብ ኢትዮጵያ ክጽንበር ብንድፊ በቪን- ስቮርዛ ንዝቐረበ እማመ፡ ኢትዮጵያ ድምጺ ብምሃብ ደጊፋቶ።
• 1940ታት፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብቲ እዋን ምስ ዝነበራ ሓያላን ዝበሃላ ሃገራት ዓለም፡ ኤርትራ ጸረ መግዛእቲ ባዕድነት ከይትንቀሳቐስ ውዲታት ብምስዋር ዳሕራይ ፈሪሱ ኣብ ዝበታተን ስማዊ ፈደረሽን ክትቍረን ገይራ።
• ሃገር ዘባድም ሜላ ውግእ፡ ሃጸያዊ ስርዓትን ደርግን ን40 ዓመታት ንኤርትራ ጎቢጦም ኣብ ዝገዝኡሉ ዓመታት ብኣልማማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኤርትራን ህዝባን ዝወረደ ብርሰትን ጽንታን ናይ ቀረባ ተዘክሮታት እዩ።
• ዝምታ ልኡላዊ ግዝኣታት፡ ባድመን ካልእ ልኡላዊ መሬት ኤርትራን፡ ቅድሚ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ምምሕልላፉን ድሕሪ እቲ ብይንን ኢትዮጵያ ብናይ ምጕባጥ ዕላማ ንዓለም ለኻዊ ፍርዲ ግሂሳ ብኣብያ ምሓዝ ቀጺላ።
• 2000-2018፡ ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ፡ “ለውጢ ስርዓተ መንግስቲ” ብዝብል ምስምስ ንኤርትራ ንምብትታን፡ ጥሩፋት ዕጡቓት ብምውዳብን ብምዕቋብን ክሳብ ሕጂ ይዓዩ ኣለዉ።
• ቀጻሊ ሃረርታ ጎበጣ ግዝኣት፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገርን ካብ ላዕለዎት ክሳብ ታሕተዎት ሰበ ስልጣንን ካድረታት መራኸቢ ብዙሓንን፡ ገማግም ማያት ኤርትራ ንምውናን ከየባተኹ ጻውዒት የስምዑ ኣለዉ። ግዝኣታዊ ሓድነት ኤርትራ ብምግሃስ ናጽነትን ሃገርነትን ኤርትራ ንምብርዓን ጽዕጹዕ ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ።
ካብ ኤርትራ ሓሊፉ እውን ተኸታተልቲ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ ብዓሌት ክትበታተን ዝፈጸምዎ ውዲትን ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን መዓት ንዘውርድ ዘሎ ሓይሊ ‘ዳዕመ ኣሰሪዕ’ ንጡፍ ሓገዝ ብምሃብ ዘርእዮ ተግባራትን፡ ሰላም ጎረባብቲ ኣብ ምዝራግ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሕንፍሽፍሽ ናይ ምፍጣር ዘለዎ ዕላማ ዘርኢ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ክንዲ ኣጻብዕቱ ናብ ኤርትራ ዘቕንዕ፡ ቅድሚኡ ናይ ዝነበሩን ዝስዕቦ ዘሎ ናይ ዝርገት መርገጻቱን መርሚሩ፡ ምብትታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘዋድድ ዘሎ መን ምዃኑ ከለሊ ይምከር።
#Eritrea
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Training for female teachers in the Central Region
The Central Region branch of the National Union of Eritrean Women organized training for female teachers at junior and secondary schools.
The training covered ethics, positive thinking, teaching methods and ways teachers can positively influence students and help them develop their communication skills.
Ms. Alem Belay, chairperson of the union’s regional branch, called for an assessment of the challenges female students face. She urged members to strengthen the union and expand its membership to help address those challenges.
Participants said the training had deepened their understanding of the topics covered and expressed their readiness to apply what they had learned in their daily teaching.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Meeting to assess situation of war disabled citizens
A meeting aimed at assessing the situation of war disabled citizens has been conducted in Adi-Keih sub-zone on 22 November.
At the meeting in which members of the National Association of Eritrean War Disable Veterans branch from 21 administrative areas took part, Mr. Woldezgi Tedros, head of the association branch, noting that the association has been exerting to improve the livelihoods of members through providing loan free financial support and called for its continuity in an organized manner.
Underlining on the comparative advantage of joining the association, Mr. Woldezgi called on the war disabled citizens to strengthen organizational capacity and conduct regular meetings to discuss about their situation and their surroundings and take advantage of the resources available in the areas in improving their livelihoods. He also said that the association will provide support to those willing to engage in poultry and bee farming and livestock development.
Ms. Gebriela Yitbarek, head of the association branch in the sub-zone, called on the members of the association to establish close relations with the administrations and those who have not yet joined the association to do so.
Mr. Kiros Gebemariam, managing director in the sub-zone, for his part noting that supporting war disabled citizens is not to be left to the Government only and called on the public and stakeholders to strengthen participation in the effort.
The National Association of War Disabled Veterans branch in Adi-Keih sub-zone has 333 registered members.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Foreign Minister Osman Saleh held a series of meetings, on the sidelines of the 6th Edition of the Aswan Forum, with Ms. Annette Weber, EU Special Representative for the Horn of Africa; Mr. Guang Cong, Special Envoy of UNSG for the HoA; Mr. Pekka Haavisto, Personal Envoy of UNSG for Sudan; and, Mr. Richard Crowder, UK Special Representative to Sudan.
The talks broadly focused on current developments and trends in the Horn of Africa.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Simon Amanuel, 19, defended his Cinque Mulini title in 23:28 on a rain-soaked, muddy course in Italy!
🏆 He led from the early stages and won by 29 seconds. Even more impressive after his 5km bronze in Copenhagen just months ago. Congrats, Simon! #Eritrea #CinqueMulini 🇪🇷
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
𝗚𝗲𝗺𝗲𝗶𝗻𝘀𝗮𝗺 𝗴𝗲𝗴𝗲𝗻 𝗞𝗿𝗶𝗲𝗴
𝗪𝗮̈𝗵𝗿𝗲𝗻𝗱 𝘀𝗶𝗰𝗵 𝗱𝗶𝗲 𝗟𝗮𝗴𝗲 𝗮𝗻 𝗱𝗲𝗿 𝗚𝗿𝗲𝗻𝘇𝗲 𝘇𝘄𝗶𝘀𝗰𝗵𝗲𝗻 𝗔̈𝘁𝗵𝗶𝗼𝗽𝗶𝗲𝗻 𝘂𝗻𝗱 𝗘𝗿𝗶𝘁𝗿𝗲𝗮 𝗹𝗮𝘂𝘁 𝗕𝗲𝗿𝗶𝗰𝗵𝘁𝗲𝗻 𝘃𝗲𝗿𝘀𝗰𝗵𝗮̈𝗿𝗳𝘁, 𝗳𝗼𝗿𝗱𝗲𝗿𝗻 𝗠𝗲𝗻𝘀𝗰𝗵𝗲𝗻 𝗱𝗲𝗿 𝗥𝗲𝗴𝗶𝗼𝗻, 𝗱𝗲𝗻 𝗙𝗿𝗶𝗲𝗱𝗲𝗻 𝘇𝘂 𝘄𝗮𝗵𝗿𝗲𝗻
𝙑𝙤𝙣 𝙄𝙣𝙖 𝙎𝙚𝙢𝙗𝙙𝙣𝙚𝙧
Es ist ein interessanter Zufall: In Genf und Washington schließen sich Eritreer, Äthiopier, Sudanesen und Somalier zusammen und fordern »Ja zum Frieden – Nein zum Krieg«, und zugleich erscheinen Berichte, die erneut einen drohenden
Krieg zwischen Addis Abeba und Asmara aufziehen sehen bzw. herbeischreiben.
Eine Einordnung der Regierung des äthiopischen Premiers Abiy Ahmed als Aggressor gegenüber seinem nördlichen Nachbarn sucht man jedoch meist vergeblich. Dabei nutzte Ahmed den im September gegen seine Führung ausgerufenen bewaffneten Aufstand der »Allianz der äthiopischen Völker für das Überleben« unmittelbar dafür, sich gegen Eritrea in Stellung zu bringen. Es folgte gar der Anwurf, die eritreischen Streitkräfte (EDF) hätten eine Invasion gestartet. So recht wollte die Propaganda aber nicht zünden, so dass es ab Mitte Oktober – zumindest, was die zwischenstaatlichen Spannungen betraf – wieder ruhiger wurde.
Nun kursieren seit Mittwoch Berichte unter Rückgriff auf Einschätzungen des Konfliktmonitors ACLED, in denen von Gefechten an der äthiopisch-eritreischen Grenze die Rede ist. Konkret in Badme, dem lange zwischen beiden Ländern umkämpften Ort, der dem zweijährigen Grenzkrieg zwischen 1998 und 2000 auch den Namen gab. Nach Angaben der NGO, die Anfang Oktober auch die Erzählung einer mutmaßlichen eritreischen Invasion – von der Regierung in
Asmara dementiert – unterfüttert hatte, hieß es am Dienstag, dass das »Risiko einer umfassenden militärischen Konfrontation entlang der Badme-Front mittlerweile hoch ist«. Verwiesen wurde auf»erhebliche Truppenverstärkungen und anhaltende Artilleriegefechte« auf beiden Seiten. Die EDF hätten zudem
schweres militärisches Gerät in zwei Grenzdörfer nahe Badme verlegt. Der
eritreische Informationsminister Yemane Gebremeskel wies Berichte über militärische Aufrüstungen als »Propaganda« aus Äthiopien zurück.
Aus welcher Richtung der Wind meist weht, wird einmal mehr beim
Auslandsmedium der Bundesrepublik deutlich. Der Ursprung des aktuell von Addis Abeba angeheizten Konflikts um den vermeintlich Äthiopien zustehenden Zugang zum Roten Meer im eritreischen Assab wurde in einem Beitrag der Deutschen Welle aus dieser Woche wie folgt skizziert: Seit sich Eritrea 1993 »abgespalten« habe, »ist Äthiopien gemessen an der Einwohnerzahl das größte Binnenland der Welt«. Keine Rede von Zwangsföderalisierung und Annexion
der früheren italienischen Kolonie, die sich in einem 30jährigen Unabhängigkeitskrieg die Selbstbestimmung erkämpfte und mit einem Referendum besiegelte. Gefüttert wird damit die Propaganda Ahmeds, der immer wieder eine vermeintlich historische Kontinuität insinuiert, laut der Äthiopien schon immer einen Zugang zu dem strategisch wichtigen Meer
gehabt habe. Immerhin erwähnte das Portal, dass er sich »zwar für friedliche Mittel zur Erlangung« desselben ausgesprochen habe, aber darüberhinaus erklärte, »dies könne auch bedeuten, (…) Assab mit Gewalt einzunehmen«.
#Eritrea #Sudan #Somalia #Ethiopia #HoA
@dpa @Bundestag @AuswaertigesAmt @AussenMinDE
@DeutscheEritrea @ArminLaschet
@_lea_li @CDU @jusos @jungewelt
@spdbt @dieLinke @jan_vanaken @AUC_PAPS @UNSC_Reports @UN @Chinamission2un @franceonu @RussiaUN @UKUN_NewYork @USAmbUN @USUN @DeutscheWelle @eu_eeas
jungewelt.de/artikel/533784.…
immer wieder eine vermeintlich historische Kontinuität insinuiert, laut der
Äthiopien schon immer einen Zugang zu dem strategisch wichtigen Meer
gehabt habe. Immerhin erwähnte das Portal, dass er sich »zwar für friedliche
Mittel zur Erlangung« desselben ausgesprochen habe, aber darüberhinaus
erklärte, »dies könne auch bedeuten, (…) Assab mit Gewalt einzunehmen«.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
ሌላ ምስ ደጀንን ክፍልታትን ህዝባዊ ግንባር
መበል 16 ክፋል
ኣብ ዝሓለፈ ሕታማት፡ ካብቶም 11 ክፍልታት ህዝባዊ ግንባር፡ 7 ክፍልታት ማለት ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር፡ ክፍሊ ቍጠባ፡ ክፍሊ ሓለዋ ጥዕና፡ ክፍሊ ሃገራዊ መርሓ፡ ክፍሊ ማሕበራዊ ጕዳያት፡ ክፍሊ ዝምድናታት ወጻኢ፡ ክፍሊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ርኢና ነይርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ሕታምና ድማ ክፍሊ ኣጽዋር ክንርኢ ኢና።
8. ክፍሊ ኣጽዋር
ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ክፍልም እንከሎ፡ እቶም ሰውራዊ ቃልሲ ዘበገሱ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ቀዳሞት ሓርበኛታት፡ ካብ ሓሙሽተ ዘይበዝሕ ኣቡዓሸራ ጥራይ ሒዞም እዮም ተበጊሶም። ኣብ ዝቐጸለ 30 ዓመታት ግን፡ ማለት ንሰለስተ ዕቑድ ኣብ ዝተኻየደ ሓርነታዊ ገድሊ፡ ዝተራቐቐ ዘመናዊ ኣጽዋር ብምዕጣቕ’ዩ ናብ ናጽነት ዝተበጽሐ። እዚ ኣጽዋር’ዚ ድማ፡ በብእዋኑ ብመስዋእቲ ተጋደልቲ ካብ ጸላኢ ዝተመንዘዐ ነይሩ።
ስለዚ ሰውራ ኤርትራ ብኣጽዋር እናደልደለ ምስ ከደ፡ ክፍሊ ኣጽዋር ክምስረት ግድነት ኮነ። ብፍላይ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ዕቃበ ብረት ብዝብል ነቲ ደሓር ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ክፍሊ ኣጽዋር ዝተባህለ ወተሃደራዊ ክፍሊ፡ ብምዕቡል ኣገባብ ምስቲ ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደር ኣካላቱን ጨንፈራቱን ተመስሪቱ። መሰረት ናይዚ ክፍሊ እዚ ግን፡ ናብቲ ፈላሚ እዋናት ሰውራ ብሓፈሻ ወድብ ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ህዝባዊ ግንባር እዩ ዝብገስ።
ኣብ ፈለማ 1970ታት ሰለስቲአን ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት ካብ ተ.ሓ.ኤ. ክፍለያ እንከለዋ፡ ነቲ ኣብ ኢደን ዝነበረ ዝርካቡ ኣጽዋር ሒዘን እየን ተፈንጪለን። “ንጸላኢ ብጥይቱን ብረቱን” ዝብል መትከል ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ካብቲ ግዜ’ቲ ዝጀመረ እዩ። ብርግጽ ድማ፡ ኣብቲ ዝቐጸለ መድረኻት፡ ብዘይካ ውሑድ ኣብ ቊጽሪ ዘይኣቱ ካብ ደገ ዝርከብ ዝነበረ ሐገዛት፡ እቲ 96.6% ዕጥቂ ህዝባዊ ግንባር ምሉእ ብምሉእ ካብ ጸላኢ ዝተሰልበ ነይሩ።
ኣብቲ ፈለማ መድረኽ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ካብ መጥቃዕትታት ጸላኢን ተ.ሓ.ኤን ንምክልኻል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ይንቀሳቐስ ስለ ዝነበረ፡ ኣጽዋሩ ንምቕባርን እንደገና ንምውጻእን ሓያል ጻዕሪ የካይድ ነይሩ። ኣብ 1972 ግን፡ እተን ሰለስተ ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት፡ ናይ ሓባር ክፍሊ ዕቃበ-ብረት ኣብ ገረግር ሱዳን ኣቘማ።
ካብቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዙ ክፍሊ ዕቃበ ብረት መምስ መድረኹ ዝኸይድ ኣቃውማታት እናገበረ፡ ዕማማቱ እናዕበየ ይኸይድ ነይሩ። ኣብ 1978 ኣካል ወተሃደራዊ ቤት ጽሕፈት ብምዃን፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ብደረጃ ቦጦሎኒን ብርጌድን ስታፋት ምዕዳልን ምቍጽጻርን ኣጽዋር ብምቛም ኣዝዩ ዝተወደበ መልክዕ ሓዘ። ድሕሪ ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ከኣ፡ ነተን ኣብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ዝተረፋ ኣሃዱታት ዝኸውን፡ ኣጽዋር ዝኽዝናን ዝዕድላን ኣሃዱታት ኣቘመ።
ክፍሊ ኣጽዋር ዝተፈላለየ ዕማማት ዘካይድ ዝነበረ ክፍሊ እዩ። ኣጽዋር ይኽዝን፡ የጐዓዕዝ፡ የከፋፍል፡ ይቈጻጸርን ይጽግንን። ነዚ ኹሉ ስርሓት ዘሳልጣ ኣካላት ከኣ ነይረንኦ። ድሕሪ 1987፡ እቲ ክፍሊ ብኽልተ ጨናፍር ከም ዝቐውም ተገብረ። ንሳተን ከኣ፡ ጨንፈር መኽዘንን ምዕዳልን ጨንፈር ቤት ዕዮን እየን።
ኣባላት ክፍሊ ኣጽዋር፡ ኣጽዋር ጥዕናኡ ተዓቂቡ ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝውዕል ንምግባር መኽዘናትን መዐደሊ ቦታታትን ንምኽዋልን ምምስሳልን ብውሑስን ቅልጡፍን መንገዲ ካብ መኽዘን ናብ ሰራዊት ንምብጻሕ ወዘተ ከቢድ ዋጋ እናኸፈለ ህዝባዊ ሰራዊት ዓቕሚ ተዅሱ ኣዕብዩ፡ ላዕለዋይ ኢድ ንኽሕዝ ዓቢይ እጃም ኣበርኪቶም እዮም።
ክፍሊ ኣጽዋር ህዝባዊ ግንባር ተዘከርትን ተደጋገምትን ሓረጋት ኣለወኦ። ነቲ ዘካይዶ ዝነበረ ዕማማት ከኣ፡ ብዝግባእ ዝገልጻ እየን።
“ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ”
ነዚ መትከል’ዚ ናብ ተግባር ንምልዋጥ፡ እቲ ክፍሊ ኣጽዋር ኣብ ምኽዛን ጥራይ ከይተሓጽረ ብስነ ፍልጠታዊ መንገዲ ንኣጽዋር ብምፍላጥን ብምምላኽን ኩሉ ዓይነት ስርዓተ-ጽገና (Maintenance systems – Breakdown, Preventive and Innovative etc) ብምክያድ፡ ዝተሰልበ ኣጽዋር ብኣድማዕነት ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕል ይገብር ነይሩ። ኣብ ቤት ዕዮኡ ዝካየድ ዝነበረ ምምሕያሽን ምቕያርን ካፕሱል፡ ምምሕያሽ ሓሸዋ፡ ምስራሕ ቦምባ ኢድ ቻይና፡ ምድላው ምቀያየሪ ኣቕሑ ወዘተ ከኣ፡ በጺሑዎ ዝነበረ ናይ ምህዞን ሰንዓን ደረጃ ዝገልጽ እዩ።
“ካብ መርፍእ ክሳብ መድፍዕ”
ብመስዋእቲ ዝተረኽበ ብረትን ካልእ ወተሃደራዊ ዕጥቅን፡ ብዘይ ገለ ብኽነት ኣብ ጥቕሚ ክውዕል፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ኣጽዋርን መኻይዱ ካልኦት ንብረትን ልዑል ጥንቃቐ ንኽግበር፡ እቲ ክፍሊ ብሰነዳት ዝተሰነየ ጽፉፍ ናይ ዕደላ ኣገባባትን ድሕሪ ስራሕ ብደቂቕ ሃልኪ ናይ ምጽብጻብ ስርዓትን ይኽተል ነይሩ። ሳላኡ ድማ፡ እቲ ብኣቡ ዓሸራ፡ ኣልቢኒ ምንሽር፡ ግንጽል ወዘተ ዝጀመረ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ሓደስቲ ኣጽዋር እናሰለበ፡ ወናኒ ቢኤም 24፡ ታንክ ቲ62፡ ጸረ-ነፈርቲ 57 ሚሊሜተር ምስ ራዳሩ፡ ፐቹራ፡ SAM-3 ክኸውን በቕዐ። #Eritrea
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
ህውተታ መራሒ ስርዓት ብልጽግና ኣብ ውሽጣዊ ጒዳያት ኤርትራ
ጸሓፊ - ኣብራሃ ተ. ጨዓሎ
ትርጉም - ምስግና ህንጻ
ሓደ መራሒ ሃገር፡ ኣብ ሃገራዊ መደበር ተለቪዥን ቀሪቡ ንልኡላውነት ጐረቤት ሃገር ዝግህስን ንኸተማታታ ዘናሽውን መግለጺ ክዝርግሕ እንከሎ፣ ንምንታይ ዕላማ እዩ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕትኡ እዋን፡ መራሕቲ ሃገራት ብፍላይ እቶም ብሰንኪ ድኹም ምሕደራኦምን ኣመራርሓኦምን ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ሃገሮም ዝተፈጥረ ሽግር ኣሪሞም ቤቶም ክንዲ ዘማሓይሹ፡ ድኽመታቶም ንምሽፋን ንኻልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ንጐረባብቲ ሃገራት ክኸስሱ እዮም ዝረኣዩ። በዚ ጒዳይ እዚ ብቐዳምነት ካብ ዝጥቀሱ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ ሃገር ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ሃገራዊ መደበር ተለቭዥን ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃል መሕተት፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዘሎ ምምሕዳራዊ፡ ሰብኣውን ፋይናንሳውን ውድቀት ንምሽፋንን ሓደገኛ ኣስፋሕፋሒ ህርፋኑ ንምኽዋልን ዝተማህዘ ናይ ተስፋ ምቚራጽ ፖለቲካዊ ትያ ት ር ከርኢ ፈቲኑ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንናጽነት ኤርትራ ኣፍልጦ ዝህብ ሰነድ ከምዘየለ ብምእዋጅ፡ ብቕሉዕ ንገማግም ባሕሪ ኤርትራ ብምውፋር ክቆጻጸሮ ከምዝኾነ ፈኪሩ፡ ንኸተማታት ኤርትራ ልክዕ ከም ቃዛ ብደብዳብ ከዕንወን ከምዝኽእል ዝገለጾ ናይ ዕሽነት ዘረባታት ህዝቢ ዝርስዖ ኣይኮነን።
ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ በዚ ናይ መወዳእታ ዘረባታቱ ጭንቀት የብሎምን። ይኹን እምበር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም መራሒ ሃገር መጠን፡ ነቲ ናይ ውግእ ምፍካር ብምሕዳግ፡ ብመሰረት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ምርኩስ ብምግባር፡ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ከኽብር ጸዊዖም። ከምዚ ምግባር ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዞባና ኣርባሒ ምዃኑ ንጹር እዩ።
ንልዕሊ ሰለስተ ዕቚድ፡ ናይ ኢትዮጵያ መንግስታት ብብሊዮናት ዝቚጸር ናይ ወጻኢ ረዲኤት፡ ልቓሕን ሰብኣዊ ሓገዝን ክምገቡ ጸኒሖም እዮም። ካብ 1990ታት ጀሚሩ እቲ ዝተዋህበ ሓገዝ ካብ 80 ክሳብ 90 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ይግመት። እዚ ኹሉ ገንዘብ ግን፡ ብብልሽውናን ሕማቕ ምሕደራን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓንቲ ከይረብሓሉ ባኺ ኑ።
እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት እውን ካብዚ ናይ ምልማን ባህሊ ኣይወጸን። ድሮ’ውን ልዕሊ 30 ቢልዮን ዶላር ረዲኤት ረኺቡ ኣሎ። ኣብ ሓምለ 2024 ዓ.ም ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ነቲ ዝዓነወ ቊጠባ ንምድጋፍ 3.4 ቢልዮን ዶላር ፈቒዱሉ እዩ።
እንተኾነ እዚ ኹሉ ፊናንሳዊ ደገፍን ልቓሕን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይካ ገዚፍ ውሕሉል ልቓሕ፡ ዝኾነ ዝጥቀስ ለውጢ ኣየምጽኣሉን። ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንዘላቶ ደረጃ ንምፍላጥ ንህልዊ ማሕበረ-ቊጠባዊ ኩነታት ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ሓቅታት ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦
1. ልዕሊ 68 ሚእታዊት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መስመር ጽንኩር ድኽነት ይነብር።
2. 30 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ይጽበዩ።
3. ኣብ ታሕሳስ 2023 ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ወጻኢ ቦንድ (Eurobond) ክትከፍል ብዘይምኽኣላ ናይ ዕዳ ውድቀት (Default) ኣጋጢምዋ ትርከብ። በዚ ምኽንያት ዋጋ ብር ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ ይርከብ።
ቊጠባዊ ዓቕሚ ናይ ሓደ ሃገር ብናይ ወረቐት ዓመታዊ ውህሉል እቶት (GDP) ዘይኮነስ፡ ዜጋታት ናብራኦም ንምምሕያሽ ከም ሰባት ንኽነብሩ ዘድልዮም መሰረታውያን ነገራት ዝረኽቡሉ ከምኡ’ውን ብዘለዎም ናይ ስራሕ ዕድልን ውሕስነት ህይወትን እዩ ዝዕቀን።
እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ሰበስልጣናት ኢትዮጵያን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሽግር ክፈትሑ ዝጽዕሩ፡ ነቲ ብሰንኪ ድሑር ኣመራርሓኦም ዝተፈጥረ ጸገም ብዘይሕንከት ንኤርትራ ክወቕሱ እዮም ዝረኣዩ። ውሽጣዊ ድኽመታቶምን ሽግራቶምን ንምኽዋል ኣብ ውሽጣዊ ጒዳያት ኤርትራ ኣትዮም ብዙሕን ውሑድን ክዛረቡ ካብ ዝጅምሩ ሓጺር እዋን ኣይገበሩን። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብ19 ጥቅምቲ ብመንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝተፈነወ፡ ብቋንቋ ትግርኛ ዝተኻየደ ቃል-መሕተት’ ካብ ውሽጣዊ ሽግራቱን ጭንቀቱን ንምህዳም ብዛዕባ ህሉውን ሕሉፍን ማሕበረ-ቊጠባዊ ኩነታት ኤርትራ ዘተኮረ መግለጺ ሂቡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቃል- መሕተቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺታት፡ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ልዕሊ 300 ዝኾና ፋብሪካታት ከምዝነበራኣ፡ እንተኾነ ድሕሪ 1991 ኩለን እተን ዝነበራ ፋብሪካታት ከምዝዓነዋ ገሊጹ። መግለጺ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ታሪኻዊ ጭብጥታትን ሓቅታትን ዝረሓቐ እዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ነቲ ብሰንኪ ተኸታተልቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ዕንወት ብምኽሓድ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ቊጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ንምኽዋልን ኣድህቦ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምጥምዛዝን ዝዓለመ እዩ ነይ ሩ።
ታሪኻዊ ጭብጥታት ማሕበረ- ቊጠባዊ ኤርትራ ግን ዘይከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንፖለቲካዊ ድራማን ናይ ሓሶት ፕርፖጋንዳን ኢሉ ዝገለጾ ዘይኮነስ፡ እቲ ሓቂ በዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነጥብታት ክግለጽ ይከኣል፦
• መግዛእቲ ኢጣልያ (1889- 1941)፦ ኣብ ኣስመራ፡ ምጽዋዕን ካልኦት ከባቢታትን ብረሃጽ ኤርትራውያን ዝተሃንጹ ናይ መጐዓዝያ፡ ኢንዱስትሪን ወደባትን መሳለጥያታት መስሪቱ ነይሩ።
• ምምሕዳር ብርጣንያ፦ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ እንግሊዝ ነቶም ዓበይቲ ማሽነሪታትን ፋብሪካታትን ኤርትራ ከም “ናይ ውግእ ምቅሊት” ብምውሳድ፡ ብስልታዊ ዘረፋ ኣዕንይዎም።
• ሃጸይ ሃይለስላሴ፦ ኣብ 1962 ንፈደረሽን ኣፍሪሱ ንኤርትራ ብሓይሊ ድሕሪ ምጕባጡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቊጠባዊ ማእከልነት ንምፍጣር ነቶም ኣብ ኤርትራ ተሪፎም ዝነበሩ ፋብሪካታትን ንብረትን ናብ ኢትዮጵያ ኣግዓዞም።
• ስርዓት ደርግ፦ ብሰንኪ ንናጽነት ዝተኻየደ ቃልስን ከምኡ’ውን “ዓሳ ንምጥፋእ ባሕሪ ምንጻፍ” ዝብል ኣዕናዊ ፖሊሲ ብምኽታል፡ ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ትካላትን ትሕተ-ቕርጽን ኣዕንዩ። ከም ዓቢ ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል ኣብ ለካቲት 1990 ኣብ ዝተኻየደ፡ “ስርሒት ፈንቅል”፡ ሰራዊት ደርግ ኣብ ልዕሊ ወደብ ባጽዕ፡ መንበሪ ኣባይቲን ትካላትን ናፓልምን ከበድቲ ኣጽዋራትን ብምጥቃም፡ ዘስካሕክሕ ህልቂትን ዕንወትን ኣውሪዱ።
• ኤርትራ ኣብ 1991 ናጽነታ ክትጐናጸፍ ከላ እምበኣር፡ እቲ እንኮ ዝወረሰቶ ዝዓነወ ቊጠባ እዩ። ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ነታ ብሰንኪ ተኸታታሊ መግዛእቲን ኲናትን ዝዓነወት ሃገሮም ንምህናጽ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሮም፡ ዝነበሮም ውሱን ማልን ዓቕሚ ሰብን ኣወሃሂዶም፡ ሰረት ቊጠባዊ ምዕባለ ዘንጽፉ፡ መነባብሮ ህዝቢ ዘማሓይሹን ቊጠባ ሃገር ዘሐይሉን ፖሊስታት ብምሕጻጽ፡ ኣብ መላእ ሃገር ምዝርጋሕ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብናህሪ ኣበጊሶም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ቀዳሞት 7 ዓመታት ኤርትራ ብባንኪ ዓለም ከይተረፈ ዝተመስከረሉ ቅልጡፍ ቊጠባዊ ዕብየት ከተመዝግብ ክኢላ። እንተኾነ፡ እዚ ዕብየት ግን ብሰንኪ እቲ ኣብ 1998 ብኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ዶብ፡ ዘይፍትሓዊ እገዳታትን ዞባዊ ዘይምርግጋእን ክዕንቀፍ ተገይሩ እዩ።
ዘይከምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታታት ብምንዛሕ ንምስሊ ኤርትራ ንምድዋን ዘካይዶ ዘሎ ሕሱር ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፣ ኤርትራ ከምቲ ንሱ ብናይ ሓሶት ስእልታት ዕዳን ልቓሕን ዝመስረቶም ህንጻታትን ዘይኮነ ትፍለጥ፣ ብጭቡጥ ዓወታት ኣብ ምምዕባል ሰብኣዊ ዓቕምን ምዝርጋሕ መሰረታውያን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን እያ እትልለ። ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ዘመዝገበቶም ዓወታት ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ትካ ላ ት ዝተመስከረሎም እዮም።
ኣብ መዳይ ጥዕና ንኣብነት ኤርትራ ንዘመዝገበቶ ዓወታት ምስ እንምልከት፦
* ጭቡጥ ኣሃዛት መለለዪ ጥዕና
-ቅርበት ትካላት ጥዕና
80 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 10 ኪ.ሜ ትሕቲኡን ርሕቀት ትካል ጥዕና ይረክብ።
-ክንክን ጥንሲ
ናይ ቅድመ-ወሊድ ክንክን 87 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ።
-ኣብ ትካላት ጥዕና ዝግልገላ ኣደታት
85 ሚእታዊት በጺሑ፣ 159 ናይ ኣደታት መዕረፊ ኣባይቲ (Maternity Waiting Homes) ተሃኒጾም።
-ክታበት ህጻናት ውሕስነት ክታበት 98 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ዓውደ ትምህርቲ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ 1991፡ 526 ዝነበረ ዝብሒ ኣብያተ- ትምህርቲ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ልዕሊ 2,372 ዓብዩ ይርከብ። ካብዚኦም እቲ 80 ሚእታዊት ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝተሃንጹ እዮም። ኣብ መላእ ሃገር ናይ መባእታ ትምህርቲ ተሳትፎ 82.3 ሚእታዊት በጺሑ ይርከብ። ኣብ ዞባ ማእከል መሃይምነት ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ እዩ። ጾታዊ ማዕርነት (Gender Parity) ኣብ መውዓሊ-ህጻናት 0.94፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 0.88 በጺሑ ኣሎ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምቕራብን ምዝርጋሕን ጽሩይ ማይ፡ ምውጋድ ክፉት ሽቓቕ፡ ምውዳድ መሳለጥያታት ሕርሻን ምንጻፍ መሰረተ-ልምዓት ዝኾኑ መሰረታውያን ትሕተ-ቕርጽን ዓቢ ስራሕ እዩ ሰሪሑ። ብስታቲስቲካዊ መዳይ ክርአ እንከሎ፡
• ምቕራብ ጽሩይ ማይ፦ ኣብ መላእ ሃገር 85 ሚእታዊት (79 ሚእታዊት ኣብ ገጠር፡ 95 ሚእታዊት ኣብ ከተማታት) ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኤርትራ ጽሩይ ማይ ይረክብ። 100 ሚእታዊት ኣብ ትካላት ጥዕናን፡ 85.3 ሚእታዊት ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲን ጽሩይ ቀረብ ማይ ኣለወን።
• ምጥፋእ ክፉት ሽቓቕ (ODF)፦ 93 ሚእታዊት ቁሸታትን ዓድታትን ኤርትራ ካብ ክፉት ሽቓቕ ናጻ (Open Defecation Free) ብምዃን ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ካብቲ ኣብ 2015 ዝነበሮ ብ40 ሚእታዊት ዕብየት ኣርእዩ ይርከብ።
• ሕርሻን መሰረተ-ልምዓትን፦ ናይ ጽርግያታት መርበብ ኣብ መላእ ሃገር 15,100 ኪ.ሜ በጺሑ ይርከብ። ብዝሒ ዲጋታትን ከዘንቲ ማያትን ኣብ እዋን ናጽነት 138 ዝነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ 850 ዓብዩ ይርከብ።
• ኣብ ምግራብን ዳግመ ምግራብን፦ መንግስቲ ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ዘተኣታተዎ ናይ ምግራብን ምዕቃብ ሕዛእቲን፣ ካብ 2006 ጀሚሩ ልዕሊ 150 ሚልዮን ፈልስታት ተተኺሎም፣ ጠቕላላ ናይ ጫካታት ሽፋን ኣብ 1995 ትሕቲ 1 ሚእታዊት ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን ናብ 13.5 ሚእታዊት ክብ ኢሉ ኣሎ።
ማሕበራዊ ፍትሒ ክነግስ ዝኽእል ንኹሉ ኣካል ሕብረተሰብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ደቀንስትዮን ህጻናትን ብማዕረ ምስ ዘሳትፍ ጥራይ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ መሰል ደቀንስትዮ ንምርግጋጽ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ዓበይቲ ስርሓት ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ። ካብቶም ዘካየዶም ስርሓት ብቐዳምነት ዝጥቀስ፡ ብሕጋዊ ኣዋጅ ምክልኻል ግርዝና ደቀንስትዮ እዩ። ብመሰረት ኣዋጅ 158/2007 ከምኡ’ውን 1.19 ሚልዮን ህዝቢ ዝተሳተፎ ጐስጓሳትን፣ ግርዝና ደቀንስትዮ ትሕቲ 15 ዓመት ናብ 3.7 ሚእታዊት ንትሕቲ 5 ዓመት ድማ ናብ 1.2 ሚእታዊት ወሪዱ ኣሎ። 97.2 ሚእታዊት ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጐዳኢ ልምዲ ምሉእ ብምሉእ ብምቅዋም ወጊድዎ ይርከብ። በዚ ዝተረኽበ ኣተባባዒ ዓወት፡ ኤርትራ፡ ክሳብ 2030 ካብዚ ጐዳኢ ልምዲ ናጻ ዝኾነት ቀዳመይቲ ሃገር ንኽትከውን ኣብ ስራሕ ትርከብ።
እዚ ኩሉ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ዝጸንሐ ብኤርትራ ዝተመዝገበ ዓበይቲ ዓወታት ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ መዳይ፡ ብውሱን ዝኾነ ውሽጣዊ ጸጋታት ሃገር ኣንጻር ኩሎም ተጻብኦታትን ብድሆታትን ዝተጨበጠ ዓወታት እዩ።
ሕጂ እውን ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ህንጸት ሃገር ቀጻልን ዘየቋርጽን መስርሕ ከምዝኾነ ብምግንዛብ፣ ንዘለዎም ሃብታም ቊጠባዊ ጸጋታት (ናይ ባሕሪን መሬትን) ብግቡእ ምሕደራ ብምምዝማዝ፣ ከምኡ’ውን ምስ ዘለዎም ስሙር ሃገራዊ ሓድነትን ጻዕራምን ህርኩትን ዝኾነ ህዝቢን፡ ነቲ ተሪፍዎም ዘሎ ብዙሕ ዝኾነ ስርሓት ብዓወት ከም ዝዛዝምዎ ዘጠራጥር የብሉን።
ስለዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ክንዲ ብኤርትራ ኣመሳሚሱ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን ሕሱር ፖለቲካዊ ትያትርን ኣብ ምስራሕ ግዜኡ ዘባኽን፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ብሰንኪ ድኹም ኣመራርሓኡ ተኸሲቱ ዘሎ ኩሉ መደያዊ ቅልውላውን ውግኣትን ኣብ ምፍትሑ እንተ ዝጥቀመሉ ነይሩ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያን ዞባናን ብዙሕ ምረብሑ ነይሮም። ኢትዮጵያ ዕብየት እንተደልያ፣ ካብ ውሽጣ እትገብሮ ስራሕ እምበኣር፡ ካብ ኤርትራ ክትደልዮ የብላን። #Eritrea
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
#Eritrea's Delegation, led by Foreign Minister Osman Saleh, is participating at the Sixth Edition of the Aswan Forum for Sustainable Peace and Development, being held in Aswan, Egypt, on 21-22 November this weekend.
The Forum, held under the theme: "Sixth Edition Redefining the global Commons: Africa' s Agency in the Age of Disruption" brings together African Ministers, Representatives of Regional and International Organizations, financial institutions and the private sector to exchange perspectives and cultivate collective efforts for sustainable peace and development.
In his address to the Forum (link below), FM Osman elucidated Eritrea's perspectives on three important parameters/dimensions of the main theme:
i) Reforming Global Governance and the International Financial Architecture;
ii) Upholding International Law, Sovereignty and Territorial Integrity; and,
iii) Securing Strategic Maritime and Regional Commons.
Foreign Minister Osman Saleh also held, on the sidelines of the Forum, a trilateral meeting with his Egyptian and Sudanese counterparts to discuss effective coordination between the three countries in the maintenance of sovereignty, territorial integrity as well as Red Sea security.
The Foreign Ministers reaffirmed their commitment to the principles agreed at the October El Alamein Summit of Heads of State and Government of their respective countries.
shabait.com/2026/11/22/state…
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Deeply saddened by the untimely passing of Dr. Phumzile Mlambo-Ngcuka. We met at the @UN, where I came to appreciate her warmth, wisdom, and unwavering commitment to advancing the cause of women and #Africa’s development.
Her distinguished service to South Africa, Africa, and the international community leaves a lasting legacy.
My condolences to her family, the Government and people of South Africa, and all those who had the privilege of knowing and working with her.
May her soul rest in peace.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Celebrating Professor Giovanni Stellin in Eritrea
By: Sabrina Solomon
An event was held in Asmara to celebrate Professor Giovanni Stellin following the publication of his new book, which recounts his medical career and his work around the world—particularly in Eritrea. Alongside his team from Italy, Prof. Stellin has traveled to Eritrea for more than two decades to help children living with heart conditions. Below are highlights from remarks made by speakers and attendees at the event.
Prof. Giovanni Stellin — MED. ACTION BAMBINI
-Tell us about the event today.
This is a great event organized by Pietro Zambaiti. We started 22 years ago to help children with heart problems. As you know, out of every 100 children born around the world, at least one is born with a heart condition. In Europe, operating on these children is routine, but here, unfortunately, there was no such program for treating children with heart disease. Sharing this program with local medical professionals here has been fantastic so far.
We have already achieved our first goal: helping children with heart problems live healthy, normal lives. The second goal—which isn’t achieved yet, but will be very soon—is establishing a completely independent Eritrean team. I am training two young doctors who are very skilled with their hands, so there will be a future for Eritrea to sustain a program that is very rare in this part of Africa. That is our push: to help you become completely independent.
I have been coming here for the last 22 years. Before I grow older and can no longer make the trip, I wanted to fulfill my dream of establishing an independent Eritrean team to treat children with heart conditions.
-You have also inaugurated a book about your experience in heart surgery. Please tell us about that.
Yes, I have written a book that has just been published about my journey inside the cardiac surgery world. It is a book that also reflects a little on my life and my first heart transplant. In addition, it highlights the concluding chapter of my career alongside the program we are building in Eritrea. I am dedicated to this work because I want to see the goal of complete local independence fulfilled. Written in Italian—and soon to be translated into English—the book traces my career and how I developed such a deep affection for Eritrean children.
-Regarding the section you wrote about Eritrea, How many lives have you touched, and how many more do you hope to reach?
As you know, together with our team we have operated on around 1,700 children with heart conditions. Beyond surgery, we are working with local colleagues and two of Italy’s major, oldest universities to build a partnership with the University of Asmara in Eritrea. The aim is to create a structured teaching program—not only for surgeons, but also for cardiologists, nurses, and intensive care staff.
-Professor, tell us about your team and its vision for the years ahead in Eritrea.
The team is very well structured. It is vital that the younger generation joins us in this mission. The young professionals working in our hospital are taking their institutional leave to come here. That commitment is hugely important, driven by a genuine desire to help children born with heart conditions. They feel a strong sense of responsibility, and that is what pushes us to keep going with the same enthusiasm. I am confident we will establish a fully independent Eritrean team. Once I reach an age where I can no longer travel here, young surgeons and nurses will be ready to carry the program forward. I can promise that the program will continue.
-If you were to sum up Eritrea and your experience with Eritreans in a single paragraph, what would it be?
We feel an emotional connection to Eritrea, given the long historical ties between Italians and Eritrea over 60 years, and it is always meaningful to hear people and children speaking Italian. Beyond that, the gratitude we receive from these children and their families drives us forward time and again. The people here are wonderful, and I want to share that story with the rest of the world. I speak about the Eritrean pediatric heart program at many institutions internationally because it deserves to be known.
-Thank you so much professor, Is there any message you would like to share?
My message is simple: let’s continue. Europe is the closest continent to Africa, and Eritrea has a capable, dedicated workforce. We need to come together and join forces to make our world a little better. Thank you.
Pietro Zambaiti — ZaEr Plc.
-Can you briefly tell us why we are gathered here today?
Sometimes, when timing and friendships align, I like to bring people together for a gathering of gratitude. Every so often, we need to pause in life and say thank you to those who trust and believe in us. Progress depends on trust between people—things change and move forward only when trust is there. That is how we have built lasting friendships. I have met and become like brothers with people such as Professor Giovanni and many Eritreans. We are here to honor and connect the history and friendship between Italy and Eritrea. As an Italian team, we want to keep building bridges between our two countries.
Alfonso Di Riso — Ambassador of Italy to the State of Eritrea
-Mr. Ambassador, why are we here today?
We are here because Pietro Zambaiti organized this event with Italian NGOs that have been operating in Eritrea for nearly two decades. They work in the healthcare sector under the ownership of the Eritrean Ministry of Health, helping train Eritrean doctors so they can become increasingly skilled and self-reliant.
-Today we especially celebrate Prof. Giovanni Stellin and the book he has written about his experiences, including his work in Eritrea. What would you say about that?
Professor Giovanni has been one of the pioneers of heart transplantation in Italy and one of the leaders of the Italian cardiology community. He chose to dedicate this stage of his career to Eritrea, coming here twice a year to help train Eritrean doctors. He wrote a book about his journey around the world and especially here in Eritrea, and he is both a fantastic doctor and a wonderful person.
-Professor Stellin has been coming here for almost two decades, Mr. Ambassador, playing a role in bilateral relations between Italy and Eritrea. How do you view that?
Italian civil society—which NGOs represent—has always had a presence in Eritrea and will continue to be present, so that in itself is no surprise. However, I am very honored to be here today, and I hope everyone recognizes that supporting this work is one of our core priorities in Eritrea.
Dr. Mary Stephen — WHO Representative to Eritrea
First, I would like to thank the Italian doctors for their support to the Eritrean health system. This is truly lifesaving work. Such interventions are vital for patients who once faced a very limited prognosis, giving them the chance at a long-term solution. Dialysis, for instance, keeps patients alive—and while it is prohibitively expensive in many countries, it is encouraging to see dialysis provided free of charge in Eritrea so patients can live normal lives like anyone else.
We also want to thank the cardiologists for providing lifesaving care to children born with heart conditions and for contributing to Eritrea’s broader development. These children are the future of Eritrea, and ensuring they receive care is essential. This is a significant contribution to the health system as a whole—spanning from early detection to treatment— and we deeply appreciate it.
We also commend the Government of Eritrea for opening its doors to make these partnerships possible. Even when partners have the capacity to help, impact is limited without government collaboration, so we are grateful for the leadership and openness that allow these services to thrive. Most importantly, I was encouraged to hear about the commitment to building independent local capacity, and I hope this work continues to grow.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
#Eritrea's delegation led by Ambassador Fessehatzion Petros participated at the Nordic-Africa Foreign Ministers' Meeting held in Oslo, Norway, from 20-21 November this week.
The meeting, held under the theme: "Global Challenges, Shared Interests - African and Nordic Perspectives on Multilateral Cooperation" offered a vital and timely platform to discuss multipolarity for more stable, fairer, and inclusive global governance architecture; approaches and common platitudes for reform of the UN as well as the Bretton Woods Institutions; and, modalities of development cooperation that eschew conditionalities that override the political independence and development path charted out by key stakeholders.
Eritrea's delegation also held bilateral talks with counterparts at the Norwegian Foreign Ministry on the sidelines of the Nordic-Africa Foreign Ministers' Meeting.
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
ካብ ጾር ሓላፍነት ናብ ልምዓት - ብጽንዓት!
ዕዉት ኣከባብያውን ምህርታውን ውጽኢት ዝፈጠረ ልምዓት ዝወነነት፡ ተባዕ ሓረስታይ እያ። ወ/ሮ ትዕበ ረዳእ ትብሃል። ኣብ 1959 ኣብ ዞባ ደቡብ ምምሕዳር ከባቢ ጉሕ-ጨዓ፡ ኣብ ዓዲ ድቡስ ተወሊዳ። ወለዳ ኣቶ ረዳእ ጊለን ወ/ሮ ርሻን ተስፋይን 12 ደቂ ፈርዮም’ኳ እንተዀኑ፡ እቶም ሓሙሽተ ጥራይ ዓብዮም።
“እቲ ሞት፡ ንስድራና ቀሊል በሰላ ኣይገደፈሎምን። ዓዲ ገዲፎም ክወጽኡ’ውን ኣገዲዱዎም። ኣነ፡ ምዕባይ ሕሳስ-ልደ እየ። ከም ኵሉ ቈልዓ ገጠር፡ ጤለ-በጊዕ እናጓሰኹን ስድራይ እናሓገዝኩን ዓብየ። ዕድል ትምህርቲ ኣይረኸብኩን። ስድራይ’ውን ቀልጢፎም’ዮም ናብ ሕጸን መርዓን ቈሪኖምኒ” ክትብል ዝኽርታታ ተካፍል ወ/ሮ ትዕበ።
መንእሰይ ትዕበ፡ ንገብረሚካኤል ክፍለጽዮን ተመርዕያ፡ ኣብ ‘ገዛ ሕድሩ’ ከባቢ ዓረዛ፡ ሓዳሮም ፈለዩ። ጸኒሖም፡ ብንግድን ሕርሻን ህይወት ንምቕያር፡ ናብ ኦምሓጀር ወረዱ። እዋኑ፡ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝፍተነሉ ዝነበረ ጽንኩር’ዩ ነይሩ። ሓፋሽ ህዝቢ ምስ ሰውራን ተጋደልትን ተጸንቢሩ የበርክት ነበረ። ሓደ እዋን፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ኦምሓጀር፡ ሓደ ስርሒት ብምፍጻሙ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ መኽዘን ብረት ተቓጸለን ኣዛዚ ናይ’ቲ መዓስከር ተቐትለን።
“ሕነ ናይቲ ስርሒት ንምፍዳይ፡ ብሻምበል በለው ዝምራሕ ዕጡቕ ሰራዊት ጸላኢ፡ ኦምሓጀር ወፊሩ። ህዝቢ ኦምሓጀር፡ ንተከዘ ክሰግርን ሕሞራ ክኣቱን ዕድል ስለዘይረኸበ፡ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ወሪዱዎ’ዩ፡” ብምባል ትዝክር፡ ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ሰለስተ ወርሒ ነፍሰ- ጾር ዝነበረት ወ/ሮ ትዕበ ረዳእ። ካብቲ ዝቃጸል ዝነበረ ኣጓዱን ብዓረር ጠያይት ዝጠፍአ ህዝብን፡ ንስክላ’ያ ድሒና።
ብዓል ቤታ፡ “ንስኺ ንዓዲ ክትከዲ ኢኺ፣ ኣነ ግን ክጋደል እየ፡” ስለ ዝበላ፡ ናብ ከበሳ ተመልሰት። ንዝተወሰነ ግዜ ኸኣ፡ ምስ ስድራኣ ተቐመጠትን ወዲ ተበኰረትን። ‘የማነ’ ኢላ ድማ ሰመየቶ። ብዓል ቤታ፡ ፈለማ ምስ ሓፋሽ ውድባት እዩ ተወዲቡ፣ ጸኒሑ ናብ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፣ ቅድሚ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ምስጋሩ፡ ኣብ ኲናት ደቡብ እግሩ ተሃርመ። ካብ ሕክምና ዕረፍቲ ረኺቡ ድማ ናብ ትውልዲ ዓዱ በጽሐ። ኣብኡ ሓደ ሰሙን ጸኒሑ፡ ንሓሞኡ ሓደራ ኢሉዎ ናብ ቦታኡ ተመልሰ። ወ/ሮ ትዕበ ድማ ካልኣይ ድቂ ሓዘት።
“እንተዀነ ግን፡ ገጽን ዓይንን ‘ናዝሬት’ ጓሉ ክርኢ ኣይተዓደለን፡” ብምባል ትትክዝ ወ/ሮ ትዕበ። ብዓል ቤታ፡ ኣብ ኲናት ሰምሃር ብ12 ታሕሳስ 1977 ኣብ ከባቢ ደጎሊ እዩ ተሰዊኡ። ብድሕር’ዚ፡ ጾርን ሓላፍነትን ምዕባይ ክልተ ደቃ፡ ኣብ ዝባና ተጻዕነ። ህይወትን ናብራን እናኸበዳ ብምምጽኡ ኸኣ ናብ ሱዳን ከባቢ ገዳርፍ ተሰደት።
“በቲ፡ ኣብ ዓዲ እንከለኹ ዝተላመድኩዎ ቊኖን ስፌትን እናሰራሕኩ፡ ህይወተይ ክመርሕ ጀሚረ። ናይ ሃገር መንቋሕቋሕታ ስለ ዝነበረኒ፡ ምስ ሓፋሽ ውድባት ህዝባዊ ግንባር ኰይነ፡ እናተቓለስኩን ደቀይ እናዕበኹን ናብራ ቀጺለዮ፡” ትብል ወ/ሮ ትዕበ።
“መስዋእቲ በዓል ቤተይ ድሕሪ ምፍላጠይ፡ ወጋሕታ፡ ፍትሓዊትን ቴድሮስን ዝብሃሉ ቈልዑ ወሲኸ። ናጽነት ምስ ኰነ ድማ ናብ ጀርመን ዝጀመርኩዎ መስርሕ ጉዕዞ ስደት ገዲፈ፣ ናብ ኤርትራ ተመሊሰ። መንግስቲ፡ ንኹልና ተመለስቲ፡ ኣብ ተሰነይ ብጽቡቕ’ዩ ተቐቢሉና። በዚ ኸኣ ናብ ሕርሻ ተመሊሰ፡” ብምባል፡ ንፈላሚ ናይ ሕርሻ ጉዕዞኣ ትዝክር።
“እንተዀነ...” ትብል’ሞ፡ ስለምንታይ ካብ ተሰነይ ናብ ኣስመራ ከም ዝደየበት ክትገልጽ እንከላ፡ “ኣብ ጀርመን ዝነበረት ሊያ ሓፍተይ፡ ኣስመራ እተዊ፣ ንናብራኺ ዝኸውን ኣነ ክሕግዘኪ’የ ስለ ዝበለትኒ፡ ናብ ኣስመራ ደዪበ፣ ኣብ ገጀረት ከባቢ ‘ባርጅማ’ ኣብ ዘሎ ገዝኣ ድማ ተቐሚጠ። ነቲ ኣብ ሱዳን ዝጀመርኩዎ ቊኖ ቀጺለዮ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ደርሁን ከብትን ከፍሪ ጀሚረ። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ንዘጥረኹወን ደርሁ ናብ 900፡ ከብቲ ናብ ሓሙሽተ ኣብጺሐየን። እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛ፡ ምስ ጽሬትን ካልእን ብዝተሓሓዝ፡ ልዕሊኡ ክኸይድ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ናብዛ ሕጂ ዘለኹዋ ቦታ ግዒዘ፡” ብምባል ናብቲ ኣውራ ኣርእስትና ኣስገረትና። “ብኸመይ፧” ዝብል ሕቶ ከኣ ኣስዓብናላ።
“ናብዚ ሕጂ ዘለኹዎ ቦታ (ኣስመራ - ከባቢ ኤክስፖ) ክጥምት ዝፈጠረ ምኽንያት ዘገርም እዩ። ቀለብ ደርሁን ከብትን ደልየ ምስ መጻእኩ’የ፡ ዓይኒ ኣውዲቐሉ። ንእሽቶ ቃጽዖ ሓሪሰ፡ ክዘርእ ጀሚረ፣ ብድሕሪኡ፡ እዚ በዱ ቦታ ክለምዕ ይኽእል’ዩ ኢለ ስለ ዝኣመንኩ፡ ነቲ ቦታ ኣደላዲለ ከልምዖ ፍቓድ መንግስቲ ንምርካብ፡ ዘይበጻሕኩዎ ቤት ጽሕፈት ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታ፡ ‘እኽእል’የ እንተ ኢልኪ ደኣ ኣልምዕዮ፡’ ተባሂለ ተፈቒዱለይ።”
“ሰብ ኣማኺሩኒ፡ ናብ መደብ ውህለላን ልቓሕን ከይደ፣ ወትሩ እናዘከርኩዎ ዝነብር፡ ሓላፊ ናይቲ መደብ ኣቶ ተስፋይ፡ ንዝነበረኒ ሓቦን ተስፋን ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ብዙሕ ኣተባቢዑኒ። ኣነ ዝሓሰብክዎ ሰለስተ ሽሕ ጥራይ እዩ ነይሩ። ‘ኣብ ግዜኡ ጥራይ ክፈልዮ እምበር፡ 30,000 ክንህበኪ ኢና፡’ ብምባል ናይ ልቓሕ ዕድል ተኸፊቱለይ። በዚአንን ብዝነበራኒ ቍሩብ ቁራቦ ገንዘብን ገይረ ድማ ምድልዳል መሬት ጀሚረ። ዒላ ማይ ክፍሕር ናይ ግድን ብምንባሩ፡ ወርቀይን ገንዘበይን ኵሉ ኣፍሲሰዮ፡” ብምባል፡ ተሪር ከውሒ ንምስባር ሓያል ጻዕርን ከቢድ ወጻኢታትን ከም ዝኸፈለት ትገልጽ።
ወ/ሮ ትዕበ ረዳእ፡ ሓደ ሄክታር መሬት ኣደላዲላ፡ ናብ ምሉእ ዓመት እተልምዓሉ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተጸንበረት። ራብዓይ ርእሳ ድማ ናብ ሰፊሕ መደብ ወፈረት። ክኢላታት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ኣስመራ፡ ብምኽሪ፡ ስልጠናን ምክትታልን ኣተባብዕዋ። ኣብ ሓጺር ግዜ ተስፋኣ በርሃው ኢሉ ተራእያ። ብውሱናት ዓይነት ኣሕልምቲ ዝጀመረቶ ልምዓት ናብ ዝለዓለ ኣስፍሓቶ። ኣይደንጐየትን፣ ካብ መደብ ውህለላን ልቓሕን ዝተዓደየቶ ገንዘብ ቀልጢፋ ከፈለቶ። ሓንቲ ካብቶም ቀልጢፎም ዕዳኦም ከፊሎም ዝተዓወቱ ሓረስቶት ንምዃን ከኣ በቕዐት።
“ኵሎም ኣባላት ሕርሻ፡ ኣብርሃም፡ ኣባዲትን ካልኦትን ብዘይምቁራጽ እዮም ተመላሊሶምኒ። ናይ ብሓቂ ኸኣ ኣተባቢዖምኒ’ዮም። ንሳቶም ጥራይ ዘይኰኑ’ውን፡ ኣማሓዳሪት ንኡስ ዞባ ገጀረት ወ/ሮ ትብለጽ ተስፋሚካኤል ምስ መሳርሕታ ኣጆኺ ምባል ኣየቋረጹን፡” ትውስኽ።
ተሳትፎ ደቀንስትዮ ኣብ ሕርሻ፡ እምነ ኵርናዕ ልምዓት ሃገር ምዃኑ እትኣምን ናዝሬት ጓላ ብወገና፡ “ኣደይ ብግብሪ መምህር ዝተቐየረት ሓረስታይ እያ። ንግሆ ተንሲኣ ስራሕ ትቈጻጸር፡ መደብ ስራሕ ተውጽእ፡ ዝጐደለ ትምልእ፡ ከምዚ ግበሩ ከምዚ ስርሑ እናበለት’ውን ትከታተል፡” ብምባል፡ ካብ ወላዲታ ልዑል ናይ ስራሕን ኣሰራርሓን ተመኵሮ ከም ዘጥረየት ትምስክር።
ኣብ ሽቕለት ዝፈጠረቶ ዕድል ክትገልጽ ከላ፡ “ከከም ግዜኡን ኵነታት ስራሕን፡ ቁጽሮም ዝፈላለ ሰራሕተኛታት ኣለዉኒ። ንዓይን ሰለስተ ደቀይን ከይሓወስካ፡ ክሳዕ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝበጽሑሉ እዋን ኣሎ። ኣብዚ እዋን ከኣ ፍረ ጻዕረይ እሓፍስ ኣለኹ። ከምዚ ከማይ ዝጸዓረ ሰብ፡ ክዕወት ከም ዝኽእል ኣይጠራጠርን’የ፡” ብምባል፡ ንኻልኦት ብዘተባብዕ ምስክርነት፡ ዕላላ ትዛዝም ወ/ሮ ትዕበ ረዳእ።
ንሳ፡ ናይ ጻዕራማት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ሓንቲ ኣብነት እያ። ካብ ከቢድ ጾር ናብራ፡ ናብ ሰፊሕ ልምዓት ሕርሻ ዝበቕዐት ጻዕራም ሓረስታይ እያ። በዱ መሬት፡ ናብ ሓምላይ ዝቐየረት ጸዓተኛ ኣደ’ያ። ከም ኣደ፡ ከም ሓረስታይን ከም ኣብነታዊት ኣልማዒትን እትግለጽ፡ ንብዙሓት ድማ ኣብነት እትኸውን ታሪኻዊት ኣደ!
ተስፋኣለም ገብረስላሴ (ጫረ)
ምንጪ፦ መጽሔት ፍረ-ጻዕሪ ቍ.8
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
🇪🇷 ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር! 🇪🇷
📅 ቀዳም፡ 12 ታሕሳስ 2026
📍 ቦታ፦ ከተማ ሱንድስቫል (Sundsvall), ሽወደን
ህዝባዊ ሰሚናር ንነበርቲ ሱንዱስቫልን ከባቢኡን ብኣቶ መሓመድ ዓሊ መ/ሲዒድ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ
ቦታ፥ ከተማ ሱንዱስቫል Sundsvallኣብቲ ሰሚናር ክሉኹም ኤርትራውያን ክትሳተፉ ንዕድም።ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ኪለኣኽ ኢዩ።
ሃገራዊ ሽማግለ ሽወደን
🤖 Made with AI
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
🇪🇷 ክተት ንሃገራዊ ሓድነት!
ልኡላውነትና ኣብ ዘተ ዝኣቱ ኣይኮነን! ሓድነትና ሓይልና፡ ናጽነትና ክብርና እዩ።
ኤርትራ ናይ ኤርትራውያን እያ! 🇪🇷
#OurSovereigntyIsNotNegotiable
#HandsOffEritrea
#NationalUnity
#Eritrea 🇪🇷
🤖 Made with AI
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
🇪🇷 ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር 🇪🇷
📅 ቀዳም ፡ 12 ታሕሳስ 2026
📍 ቦታ፡ ከተማ ኬሌፍቲዬ (Skellefteå ) ሽወደን
ህዝባዊ ሰሚናር ንነበርቲ Skellefteå ከባቢኡን ብኣቶ የማነ ገብረኪዳን
ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ
ቦታ ከተማ Skellefteå
ኣብቲ ሰሚናር ክሉኹም ኤርትራውያን ክትሳተፉ ንዕድም።
ℹ️ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ኪለኣክ እዩ።
ሃገራዊ ሽማግለ ሽወደን
🤖 Made with AI
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
Haddas Ertra 20 November 2026
shabait.com/2026/11/20/hadda…
ዮሃንስ መብራህቱ 🇪🇷 Yohanneስ Mebrahቱ - يوهنس مبرهتوا retweeted
#Ethiopia’s own 2023 Ministry of Education textbooks (Grades 9 AND 11) teach millions that Ethiopia is landlocked, has no seaport, and shares an 840 km border with #Eritrea.
So what changed? Geography or political desperation?
You cannot teach landlocked in classrooms and preach #RedSea ownership on political stages. Stop confusing national ambition with sovereign rights! Eritrea’s coastline is NOT negotiable!
#EritreaPrevails #DefendEritrea #HoA #Somalia #Sudan











































